Refugee Survey 2025

We are carrying out a Refugee Survey this year, to help the Government better understand the experiences of former refugees and their families. Data collected from the survey will help us to improve the experience of refugees resettling in New Zealand in the future.

ስደተኛታት New Zealand (Immigration New Zealand፣ INZ) ኣብዚ ዓመት'ዚ ናይ ስደተኛታት መጽናዕቲ ይገብር ኣሎ፣ እዚ ድማ ንመንግስቲ ተመኩሮ ናይቶም ስደተኛታት ነበርን ስድራቤቶምን ብዝበለጸ ንኽርድኦ ንምሕጋዝ እዩ። እቶም ስደተኛታት ዝነበሩ ከመይ ገይሮም ከም ዝቕመጡ ዝሕብሩ ገለ ሓበሬታታት ክህልዉና ከለዉ (ንኣብነት ክንደይ ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ኣለዉ፣ ደረጃ ብቕዓት ኣለዎም፣ ወዘተ) ፣ ብዛዕባ ናይቶም ስደተኛታት ናይ ገዛእ ርእሶም ተመክሮታት ዝሕብሩና ዝኾነ ሓበሬታ የብልናን። ካብቲ መጽናዕቲ ዝተኣከበ መረዳእታ፣ ኣብ መጻኢ ኣብ New Zealand ዝቕመጡ ስደተኛታት ተመኩሮ ንምምሕያሽ ክሕግዘና እዩ።

እቲ መጽናዕቲ ነቶም ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ NZ ዝተቐመጡ ነበር ስደተኛታትን ኣባላት ስድራቤቶምን (16 ዓመትን ልዕሊኡን) ዝምልከት ኮይኑ እዞም ዝስዕቡ ምድብታት ዝሓዘ እዩ፦

  • Quota ስደተኛታት
  • ምድብ ደገፍ ስድራቤት ስደተኛታት
  • ማሕበረሰባዊ ውዳበ ስደተኛታት ስፖንሰርሺፕ
  • ኣፍጋኒስታናውያን ስደተኛታትን ተርጐምትን
  • ውዕል ስደተኛታት (ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝጸደቑ)

እዚ ንመጀመርያ ግዜ ኢና ናይ ስደተኛታት መጽናዕቲ ንገብር። ኣብዚ ዓመት እዚ ኣብ ሰለስተ ዓውድታት (ትምህርቲ፣ ስራሕን ተሳትፎን) ዘተኮረ ኮይኑ ብኦንላይን – ናብ 13 ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ክትርጎም እዩ።

ድምጽኹም ኣገዳሲ እዩ – እቲ መጽናዕቲ ዝመልኡ ስደተኛታት ነበርን ኣባላት ስድራቤቶምን ብዝበዝሑ መጠን እቲ ሓበሬታና ብዝሓሸ ክኸውን እዩ ከምኡ'ውን ተሞክሮ ናይ መጻኢ ጉጅለታት ንምምሕያሽ ብዝሓሸ ክንክእል ኢና። ነቲ ሓበሬታ ከተስፍሑን ብዝተኻእለ መጠን ብዙሓት ሰባት ክዛዘምዎ ክትሕግዙናን ነተባብዓኩም።

እቲ ተሳትፎ ብሙሉእነት ብወለንትኹምን ብሙሉእነት ብዘይ ስምኹምን እዩ ዝካየድ፤ መልስታትኩም ምስጢራዊ ክኾኑ እዮም፤ ምስ ስምኩም ወይ ዝርዝራት ርክብኩም ድማ ኣይተሓሓዝን። 

ብተደጋጋሚ ዝሕተቱ ሕቶታት

ዕላማ ናይዚ መጽናዕቲ እንታይ እዩ?

እዚ መጽናዕቲ ናይ ስደተኛታት New Zealand (INZ) ናይ New Zealand መንግስትን ተመኩሮ ናይቶም ነበር ስደተኛታትን ስድራቤቶምን ብዝበለጸ ንኽርድኡ ንምሕጋዝ እዩ ዝካየድ። ካብቲ መጽናዕቲ ዝተኣከበ መረዳእታ፣ ኣብ መጻኢ ኣብ New Zealand ዝቕመጡ ስደተኛታት ተመኩሮ ንምምሕያሽ ክሕግዘና እዩ።

መን እዩ እቲ መጽናዕቲ ዘካይድ ዘሎ?

እቲ መጽናዕቲ ብIpsos፣ ናጻ ትካል መጽናዕቲ፣ ብስም INZ እዩ ዝካየድ።

ኣብ'ቲ መጽናዕቲ መን ክሳተፍ ይኽእል?

ኣብ ዝሓለፈ ሓሙሽተ ዓመታት ኣብ NZ ዝተቐመጡ 16 ን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ነበር ስደተኛታትን ስድራቤታቶምን ኣብ ትሕቲ እዞም ዝስዕቡ ምድባት ኣብቲ መጽናዕቲ ክሳተፉ ይኽእሉ እዮም 

  • Quota ስደተኛታት
  • ምድብ ደገፍ ስድራቤት ስደተኛታት  
  • ማሕበረሰባዊ ውዳበ ስደተኛታት ስፖንሰርሺፕ
  • ኣፍጋኒስታናውያን ስደተኛታትን ተርጐምትን 
  • ውዕል ስደተኛታት (ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ዝጸደቑ)

እቲ ውጽኢት ብኸመይ እዩ ክውዕል?

እቲ ውጽኢት ኣብ መጻኢ ኣብ New Zealand ናይ ዝቕመጡ ስደተኛታት ተመኩሮ ንምምሕያሽ ክሕግዝ እዩ። እዚ ድማ ንዕዉት ዳግመ-ምጥያስ ናይ ብሓቂ ለውጢ ዘምጽእ ኣገልግሎታትን ደገፍን ከምዘለና ምርግጋጽ ዘጠቓልል ክኸውን እዩ።

መልስታተይ ስመይ ከይተገልጸ ድዩ ክኸውን?

እወ፣ ነቲ ሕቶታት እትህቡዎ መልሲ፣ ምሉእ ብምሉእ ስምኩም ዘይፍለጥ ክኸውን፣ ናብ ናትኩም እውን ክምለስ ኣይክእልን እዩ።

ሓበሬታይ ብኸመይ እዩ ዝሕሎ?

ከም ኣካል ማሕበራዊ ሓላፍነትና፣ Ipsos ምስ ሕግታት፣ ስርዓታትን ሕግታትን ሓለዋ ሓበሬታ ኣህጉራዊ ምኽባር ቃል ኣትዩ ኣሎ። ተወሳኺ ዝርዝራት ኣብ ፖሊሲ ውሕስነት ሓበሬታን ግላዊነትን ክርከብ ይክኣል፦ 

Privacy & Data Protection — Ipsos

ነቲ ውጽኢት ናይ'ቲ መጽናዕቲ መን ክረኽቦ ይኽእል?

መልስታት ብሓባር ተጠርኒፎም ከም ውሁድ ውጽኢት ክረኣዩ እዮም፣ እዚ ማለት ድማ ንኹሉ ሕቶታት ዝሃቦ መልሲ ዝኾነ ሓደ ሰብ ምፍላይ ኣይክከኣልን እዩ። INZ ነዚ ውጽኢት'ዚ ብምክፋል ኣብ መጻኢ ኣብ New Zealand ናይ ዝቕመጡ ስደተኛታት ተመኩሮ ንምምሕያሽ ክሕግዙና እዮም።

እቲ መጽናዕቲ ንኽዛዘም ክንደይ ግዜ ክወስድ እዩ?

እቲ መጽናዕቲ ንኽዛዘም ኣስታት 15 ደቓይቕ ክወስድ እዩ።

ተሳትፎ ግዴታ ድዩ?

ኣይፋል፣ ተሳትፎ ምሉእ ብምሉእ ብወለንታ እዩ። እንተዘይደሊኹም ከይትሳተፉ ክትመርጹ ትኽእሉ ኢኹም፣ እንተኾነ ግን ተሞክሮኹም ኣብ ውፅኢት ውሕስነት ክኣቱ ክትሳተፉ እንተኽኢልኩም ብጣዕሚ ኢና ነማስወኩም።

ከዋህልሎ እሞ ናብኡ ኽምለስ እኽእል ድየ?

ኣይፋል፣ ምስ ጀመርኩም ነቲ መጽናዕቲ ክትዛዝሙ ኣለኩም። ብኸፊል መንገዲ ደው እንተ ኢልኩም፣ ዝኾነ መልስኹም ኣይንረክብን ኢና። ንኹሎም ሕቶታት ምስመለስኩም፣ ነቲ መጽናዕቲ ምስኣቕረብኩም፣ መልስታትኩም ክቕየር ወይ ክወጽእ ኣይክእልን እዩ።

እቲ መጽናዕቲ ብኻልእ ቋንቋታት'ዶ ይርከብ?

እወ! እቲ መጽናዕቲ ብቋንቋታት ዳሪ፣ ፋርሲ፣ ፓሽቶ፣ ዓረብኛ፣ በርማሴ፣ ስጳኛ፣ ሶማል፣ ኡርዱ፣ ኪንያርዋንዳ፣ ስዋሂሊ፣ ፈረንሳ፣ ፑንጃቢ፣ ትግርኛ፣ ኣምሓርኛ፣ ከምኡ’ውን እንግሊዝኛ ይርከብ።

መልሲ ናይ'ቲ መጽናዕቲ መን'ዩ ዝትርጉሞ?

እቲ ትርጉማት ኣብ ዓዲ UK ዝመደበሩ ናይ Ipsos ናይ ውሽጢ ጉጅለ ተርጎምቲ ክገብርዎ እዮም። ምስ ናይ ከባቢ ማሕበረሰባት ዝተኣሳሰሩ ኣይኮኑን ከምኡ'ውን ጽኑዕ ናይ ምስጢር ስርዓት ይስዕቡ። 

እቲ መጽናዕቲ መዓስ ይኽፈትን ይዕጸውን?

እቲ መጽናዕቲ ኣብ 10 መስከረም 2025 ክኽፈት እዩ ከምኡውን ኣብ 10 ታሕሳስ 2025 ድማ ክዛዘም እዩ።

ቅዳሕ ናይቲ መጠይቕ ወረቐት ክረክብ እኽእልዶ?

እዚ መጽናዕቲ ኣብዚ ደረጃ ጥራይ ብኢንተርነት ዝቐርብ ኮይኑ፣ ኣብ መጻኢ ግን ነቶም ብኢንተርነት ክውድእዎ ዘይክእሉ ኣማራጺታት ክንርኢ ንኽእል ኢና።

ነቲ ውጽኢት ክርእዮ እኽእል ድየ?

INZ ነቲ ሓፈሻዊ ውጽኢት ምስቶም ዝተሳተፉ ሓዊሱ ማሕበረሰባት ከካፍለኩም እዩ።

ብሰንኪ እዚ መጽናዕቲ እንታይ ለውጢ ከጋጥም ይኽእል?

ካብቲ መጽናዕቲ ዝተረኽበ ውጽኢት፣ ትካላት ኣብ ደገፍ ሰፈራ እንታይ ጽቡቕ ይሰርሕ ከምዘሎን እንታይ ዓይነት ምምሕያሻት ከምዘድሊን ብዝበለጸ ንምርዳእ ክሕግዘን እዩ። እቲ ሓበሬታ ኣብ'ዚ እዋን'ዚ ዝህሉ ኣገልግሎትን ደገፍን ናብ ዝሓሸ ውፅኢት ሰፈራ ከም ዝምርኮስን ኣብ ኣገልግሎትን ደገፍን ዝተርኣዩ ክፍተታት ንምፍታሕ ከም ዝሕግዝን ንምግባር ክውዕል እዩ።

ሕቶታት እንተሃልዩኒ ወይ ሓገዝ ምስ ዘድልየኒ ንመን ክረኽቦ ይኽእል?

ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ወይ ኣብ'ቲ መጽናዕቲ ሓገዝ ምስ ዘድልየኩም፣ ብኽብረትኩም ናብ refugeesurvey2025@mbie.govt.nz ኢሜይል ግበሩ

refugeesurvey2025@mbie.govt.nz

ብዛዕባ'ዚ መጽናዕቲ ተወሳኺ ሓበሬታ ካበይ ክረክብ እኽእል?

ብዛዕባ እቲ መጽናዕቲ ኣብተወሳኺ ሓበሬታ ክትረክቡ ትኽእሉ ኢኹም

Refugee survey 2025 — Ipsos